ድሕሪ ባይታ ኢማጎዴይ

ምኽንያት ምስረታ ኢማጎዴይ ኣብ ትግራይ? 

•ትግራይ ሸውዓተ ምምሕዳራዊ ዞባታት ዝወነነት፣ መብዛሕቲኡ ከባቢኣ ድማ ብእምባታት ዝተሰናሰለ፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገር እትርከብ ዓዲ እንትኾን መበቆል  ኣኽሱማዊ ስልጣነን ፍሉይ ናይ ኢትዮጵያ ባህሊን  ዝሓዘት ኢያ፤

• ልዕሊ 7 ሚሊዮን  ዝግመት በዝሒ ህዝቢ  ዘለዋ ፣ ልዕሊ 80% ብሕርሻ ዝመሓደር፤  

•ክርስቲያናዊ ባህሊ -ልዕሊ 96% ኦርቶዶክስ እምነት ተኸታሊ፤ ዝተረፈ ፐርሰነት ድማ ሙስሊምን ካልኦት ክርስትና እምነት ዝኽተሉን ዝሓቖፈት፤

•ትግራይ፥ ዋላ’ኳ ፅቡቕ ባህሊ፣ ዕሙቕ ታሪካዊ ትውፊት፣   ኦርቶዶክሳዊ እምነትን ኣምልኾን ብምውናን  ልልይቲ እንተኾነት  ብሰብ ሰራሕን  ብተፈጥራዊን  (ድርቂ፣ ኣንበጣ በረኻ፣ ድኽነት፣ ሕማማትን ኲናትን ወዘተ)   ብተደጋጋሚ እናተጠቕዐት ዝመፅአት፤

•ካብ 2013 ክሳብ 2015 ዓ/ም  ብዝተኸሰተ  መዕነዋይ ኲናት፥ ነታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ዘእተወ፤  ብዙሓት ከባቢታት ዘብረሰ፤ ህዝባ ኣብ ኣካላዊ፣ ስነ ልቡናዊ፣ ማሕበራዊ፣ መንፈሳዊን ኢኮኖሚያዊን መከራ ዘውደቐ፤

•ካብ ክልል ፕረዚደንት ክሳብ ቢሮታት፣ ናይ ሃይማኖት ትካላት፣ ካልኦት ይግበአኒ ዝብሉ ኣካላት ሓዊሱ ነቲ ኹለመዳያዊ ጉድኣት ዝበፅሖ ህዝቢ ንምሕዋይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንክረክብ ንናይ ዓለም ማሕበረሰብ ደጋጊሞም ሓቲቶምን እነሓተቱ  ይርከቡን፤


ምምካት ብድሆታት ሕውየትን ዕብየትን

ዓቕሚ

•ሰባት ” ብፈጣሪ መልክዕ ዝተፈጠሩ፥ ”  ዉሁድ (ስጋ፣ ነፍሲን መንፈስን)፣ ስብእናን ሰብነትን ኣጠቓሊሎም ዝሓዙ፤

•ዓቕሚ ምሕሳብ፣ ስምዒት ምስማዕ፣ ምሕራይ፣ ምውሳን፣ ምፍቓርን ምንክብኻብን፣ ሞራላዊን ስነ ምግባራዊን ብዪናት ምቕማጥ፣ ንዕላማን ትርጒም ዘለዎ ህይወትን ንምስራሕ ዝሓቖፈ፤

• ምህላው ስርዓት ዝርገሐ  ትምህርቲ ፤

•ኣዝዩ ሃይማኖተኛን መኽበሪ ፈጣሪን ዘለዎ ህዝቢ

ብድሆታት/ፈተናታት

•ቅልውላው ዝበዝሖን ናብ ሓደ መንደር ዝተጠቕለለን  ዓለም ብምህላዉ፥ መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ምሕላው ምሃብ ግብረ መልሲ፣ ኣብ ክንዲ ምዕምባብን ምዕባይን ኣብ ቃልሲ ሃለዋት ግዚኡ ምብኻኑ

• ንዕብየት ዝሓልኽ ባህሊ

•ንድርቂን ባልዓትን ዝተቓልዐ፣ ኣብ ግብርና ጥራሕ ፅግዕተኛ ዝኾነ ኢኮኖሚ

•ኲናት