እንታይ ንሰርሕ?
ማእኸል ግልጋሎት ምኽርን ስልጠናን ኢማጎደይ፥ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብሩ ወራዙትን ዓበይቲን፣ ኣንስትዮን ተባዕትዮን፣ ካህናትን ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታትን፣ ጎደና ሓደርቲ፣ ንኣብያተ ፅሕፈት ክልላዊ መንግስቲ ሓዊሱ ሰራሕተኛታትን መራሕትን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮን ጸጋ እግዚኣብሔር ከገልግል ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል፥ ንብዙሓት መዓልታት ዝቐፀለ ርኡይ ዝኾነ ምስ ናይ ትግራይ ነባራዊ ዓውዲ ዝዛመድ መሰረታዊ ዝኾነ ብስነልቡናዊ -ማሕበራዊ ሓቅታት ዝጅምር ናይ መእተዊ ግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን ተዋሂቡ እዩ፤ እዚ ድማ ብግደኡ ኩሎም ተሳተፍቲ ብመልክዕ ፈጣሪ ዝተፈጥሩ ምዃኖም ናብ ዘመልክት ክርስቲያናዊ ሓቂታት ይመርሕ፡፡ እዚ ከም ማእኸል /ሕመረት/ መንነቶም ተረዲኦም ብኣግባቡ ክጥቀሙ የተባብዖም፤ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጠሩ፣ ዝፍተዉን ዝተበጀዉን እዚ ድማ መሰረት ናይቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝህሉ ምዕሩይን ጥዑይን ኣረኣእያ ምስ ካልኦት ዝህልዎም ምትእስሳርን እዩ።
ማህሰይቲ ዝበፅሓ ሰበይቲ
እቲ ናይ ቀረባ እዋን ኲናት፥ ምስቶም በቲ ተፃብኦታት ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን እናተሰርሑ ዝመፁን ክሳብ ሕዚ ዝካየዱ ዘለዉን ኩሎም መደባት ግልጋሎት ምኽሪ ዓብዪ ፅላሎት ኣንቢሩ እዩ። ካብዚኦም ዝተወሰኑ ካብቶም ብጣዕሚ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ብፍላይ ድማ ካብ ዓመፅን ፆታዊ መጥቓዕትን ዝተረፋ ኣንስትዮን ኣዋልድን እየን። ብዙሓት ኣንስትዮ ዘጋጠመን ዕምቖት ማህሰይቲ ብምኽንያት ጥቡቕ ሞራላዊ ባህሊ ከባቢታት ከበሳ ንዓርስኻ ምግላፅ ንመድልዎን ንማሕበራዊ ተነፅሎን ስለዘስዕብ ነዚ ብምስጋእ ካብ ኲሉ ርሒቐን ኣብ ዓርሰን ክጥሕላ ዝገበረ እዩ። እዘን ኣንስትዮ ብዘይ ሓገዝን ጥጡሕ ጣልቃ ኣታውነትን፣ እቲ መበገሲ ማህሰይቲ ውን ከይተረጋግአን ኣብ ቀጻሊ ድምፂ ኣልቦ ሕሰም እየን ዝነብራ።
ምስክርነት ሓንቲ ሰበይቲ እንሆ፥ እዛ ሰበይቲ ዓብዪ ዝኾነ ኣእምሮኣዊ፣ ስምዒታውን ኣካላውን ማህሰይቲ ዝበፅሓ ኢያ። እዚ ኾይኑ እናሃለወ ግን ምስ ኻልኦት ዕስራ ዝኣኽላ ተሳተፍቲ ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ሕውየት ስልጠና ወሲዳ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሕውየት ስልጠና ዝሃበቶ ርኢቶ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
“ኣብ ብዙሓት መደባት ስልጠና፥ ስሩዕን ሰሙናዊን ስነ-ልቡናዊ ምኽሪ ተሳቲፈ እየ። እዚ ስልጠና ግን ኣብ ልዕለይ ፍሉይ ኣውንታዊ ፅልዋ ኣሕዲሩለይ፤ ካብቲ ስልጠና እንትወፅእ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ኾይነ፣ ዓርሰ እምነትን ተስፋን ሰኒቐ እየ። ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ኽብሪ ዘለኒ ጓል ኣምላኽ ምዃነይ፣ ብመልክዕ ኣምላኽ ከምዝተፈጠርኹን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ንዓና ካብ ብዕስለኣዊ ዓመፅ ዝበፅሐና ማህሰይቲ እውን ክንሓዊ ፀግኡ ከምዝሃበና ተረዲአ እየ።”
“ሕዚ ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይ ዓመፅ ተግባር ካብ ኣምላኽ ንሓጢኣተይ ከም መቕፃዕቲ ዝመፀ ዘይኮነስ ብሰንኪ ሓጢኣታዊ ዕላማ ናይቶም ዝዓመፁኒ ሰባት ዕላማ ክርእዮ ኽኢለ እየ”።
“ሓሳብ እቶም ኣሰልጠንቲ ንኸማይ ዝኣመሰላ ዓሚቝ ስነ-ልቡናዊ ቁስሊ ዘለወን ኣንስትዮ፥ ፍቕሪ፣ ሕያውነት፣ ርሕራሔን ትሕትናን ዝመልኦን ፀጋ ዝበዝሖን እዩ ኔሩ። ንዓና ኣንስትዮ ብኣኽብሮትን ሓልዮትን ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣተሓሕዛ’ውን ዓብዪ መተባብዒ እዩ ኮይኑኒ።”
“እቲ ዝነበረኒ ስምዒት ሓፍረትን በደለኛነትን ዕምቖቱ እቲ ዝበፅሐኒ በደል ንንስሃ ኣቦይ እውን ሓዊሱ ንዓርሰይ ንማንም ክሳብ ዘይምግላፅ ዝበፅሐ እዩ ነይሩ። እዚ ስልጠና ግን ካብዚ ናይ ሕፍረትን በደልን ቤት ማእሰርቲ ንምውፃእ መሳልል ኾይኑኒ፤ ካብ ድሕሪ እዚ ጒልባብ ወፂአ ኣብ መወዳእታ ንነብሰይ ሓቀኛ ክኸውን፥ ኣድልዎን ምግላልን ናይቲ ሕብረተሰብ ከይፈርሕ እውን ገይሩኒ።”
ንሳ ኣብ መደምደምታ ከምዚ ትብል ፥”ብወገነይ ንመንቀሊታት ዓመፅ ኣንስትዮ ክጣበቕን እተን ኣንስትዮ ድማ ጒልባበን ንክቐልዓን ንዓርሰን ክገልፃን ክፅዕር እየ። በይዛኹም እዚ ሃናፃይ ስራሕኹም ቀፅልዎ፤ ኸማይ ንዝኣመሰላ ዝተዓመፃ ኣሓት ሓራ ምውፃእ ቐፅልሉ፣ ነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን መምህራን እውን ንኽርድኡናን ብሓልዮት ንክሕዙናን ደቅና ድማ እቲ ዘለናሉ ኹነታት ንኽርድእዎ ክትሕግዙን እላቦ።”
ንካህናትና ደጋጊምካ ምምሃርን ምብቓዕን
እቲ ናይ ምኽሪ ግልጋሎት ነቶም ናይቲ ከባቢ ቀሳውስትን ካህናትን ኣብ ኣጥቢያ ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ናይ ምግልጋል ልኡኽቶም ብዝበለጸ ንኽርድኡ ንምሕጋዝ እውን ዝእምት እዩ።
ሓደ ካህን ነቲ ስልጠና ፍሉይ ራእይ ኮይኑ ረኺብዎ ከምዚ ኢሉ፣ “ንመጀመርታ ጊዜ እግዚኣብሄር ምስ ወዲ ሰብ ምስቲ ጫፍ ፍጥረታትን ናይቲ ብኣምሳሉ ዝተፈጠረ ፍጥረቱ ብምዃን እግዚኣብሄር ንፍጥረቱ ብመግቦት፣ ዘርኢ ብምቕፃል፣ ብምድሓንን ብምሕዳስን ስራሕቲ ልኡኽቶኣዊ ኣምላኽ ምዃኑ ተረዲኡኒ ኣሎ።”
“እዚ ስልጠና ብሓቂ ተማሂረሉን ተባሪኸሉን እየ። ቅድሚ ሐዚ ክህነተይ ወርሓዊ ዓስበይ ንምርካብ እየ ይጥቀመሉ ዝነበረ፣ ሕዚ ግን ንፀጋ ኣምላኽ ከገልግል ፍቓዱ ኣብ ትሕተይ ንዘለዉ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ፀጋ ኣምላክ ንከምህር ተለዓዒለ ኣለኹ። ኣብ ምሉእ ክፍለ ጊዜ እቲ ናይ ግልጋሎት ምኽሪ ስልጠና ኣብ ውሽጠይ መንፈስ ኣምላኽ ከምዘሎ ይፈልጥ፣ ንቕድሚት ዝሰጋገር ንኣምላኽ ዝተወፈየ ህይወት ክነብር፣ ቅድሚ ሕዚ ዝባኸነ ኩሉ ግዜን ዕድልን ክኽሕስ ብቐፃልነት የለዓዕለኒ ነበረ።’’
ካልእ ካህን ድማ እቲ ስልጠና ንርእሱ ብግቡእ ንኽርዳእን ኣእምሮኡ ብናይ ኣምላኽ ሓቂ ናይ ምሕዳስ ኸይዲ ንኽጅምርን ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ከምዚ ኢሉ፥ “መፅሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ እንተኾይነ ኣብ ዝገብሮም ቃልስታት ኣማናዊ ሓገዝን ንፀገማት ሕዝብና ድማ መፍትሒ ከምዘሎ ንክርዳእ ዓብዪ ተስፋ ይህበኒ። ህሉው ኩነታት ሕብረተሰብና ተስፋ ከቑርፀካ ይኽእል’ዩ፥ ሕዚ ግን ሱር ፀገማትና እቲ መፍቐሪ፣ ፀጋ ዘለዎ ኣምላኽ ዘይኮነስ ዝተዛብዐ ሓሳባትና ምዃኑ ይርኣየኒ ኣሎ። እቶም ዓበይቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ብግቡእ ብምኽባር – ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንሕድ ሕድናን – ኣብ ዘለኽዎ ናይ ብሓቂ ለውጢ ከምፅእ ክጅምር፣ ኣብ ምስሊ ኣምላኽ ክዓቢን ንማሕበረሰበይ ከገልግልን እኽእል እየ።”