ብዛዕባና
ሓፈሻዊ ምስሊ ኢማጎዴይሓፈሻዊ ምስሊ ኢማጎዴይ
• ምጥያሽ እዚ ማእኸል፥ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ዘሎ ሕዱር ፀገም-ናይ ነዊሕን ቐረባን ግዘ ዛዕባታት፣ እዚ ዝተፈጠረ ኲናትን ጦርነትን ከምኡውን ንሶም ዝወለዱዎም ሳዕቤናት ንምብዳህ ብመ/ር መኮነን ተስፋይን ብመ/ር መንግስቱ ኣይጠገብን ተበግሶ እዩ፤
• እዚ ማእኸል ንህዝቢ ትግራይን ንካልኦትን ብሸሞንተ ዘርፍታት ኵለመዳያዊ ግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን ብፍላይ ድማ ኣብ ብርኪ ዉልቀ ሰባትን ማሕበረሰብን ትኹረት ዝገበረ ሕዉየት፣ ዳግመ ህንፀት፣ መንፈሳዊን ኲልኣዊ ዕብየትን ልምዓትን ቦኽራ ኮይኑ የገልግል፤
• ኢማጎዴይ፥ንማሕበረሰብ ትግራይን ንካልኦትን ዘለዎም ፀገማትን ሳዕቤናትን ንምብዳህ ኣብ መንፈሳዊ፣ ኣካላዊ፣ ስምዒታዊ፣ ኣእምሮኣዊ፣ ማሕበራዊ፣ቮኬሽናል (ልኡኽቶ) ፣ ስነ-ምግባራዊን ምምሕዳራዊ ሃብተገነትን ወዘተ ዘርፈ-ብዙሕ ግልጋሎታት ይህብ ፤
ራእይ
• ሰባት ዝተፈጠርሉ ዕላማ ብምርዳእ ፥ ዝተውሃቦም ዕቑር ዓቕሚ እንዳተጠቐሙ ምርኣይ
ልኡኽቶ
• ናይ ሰብ መንነት (ኣካል፣ ነፍሲ-ስነልቡና፣ መንፈስን ባህርያትን) ብግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን ኣቢልካ ዝተጎድአ ምሕዋይ፤ ዘይተሃነፀ (ዘይተመዓራረየ) ምህናፅ
ዕላማ:
• ብሃናፃይ ግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን ኣቢልካ ኣብ ህይወት ውልቀ ሰብን ማሕበረሰብን ሕውየትን ኵለመዳያዊ ዕብየት ምርግጋፅ
ክብሪታት:
● ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ሰብን
● ምብሃግ ሓባራዊ ፅባቐ፣ ምህናፅን ምጥንኻርን ማሕበረሰብ
● ሙሉእ (ኣካል፣ ነፍሲ፣ መንፈስ) ሰብ
● መገልገላይነት
● ተኣማኒነትን ሓቀኝነትን
● ጥበብን ሓይሊን ኣምላኽ ፀግዒ ምግባር