ብዛዕባና

ሓፈሻዊ ምስሊ ኢማጎዴይሓፈሻዊ ምስሊ ኢማጎዴይ

• ምጥያሽ እዚ ማእኸል፥ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን  ዘሎ ሕዱር ፀገም-ናይ ነዊሕን  ቐረባን  ግዘ  ዛዕባታት፣ እዚ ዝተፈጠረ ኲናትን ጦርነትን  ከምኡውን ንሶም ዝወለዱዎም ሳዕቤናት ንምብዳህ  ብመ/ር መኮነን ተስፋይን ብመ/ር መንግስቱ ኣይጠገብን ተበግሶ እዩ፤

• እዚ ማእኸል ንህዝቢ ትግራይን ንካልኦትን ብሸሞንተ ዘርፍታት ኵለመዳያዊ ግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን ብፍላይ ድማ ኣብ ብርኪ ዉልቀ ሰባትን ማሕበረሰብን ትኹረት ዝገበረ ሕዉየት፣ ዳግመ ህንፀት፣ መንፈሳዊን ኲልኣዊ ዕብየትን ልምዓትን ቦኽራ ኮይኑ የገልግል፤

• ኢማጎዴይ፥ንማሕበረሰብ ትግራይን ንካልኦትን ዘለዎም ፀገማትን ሳዕቤናትን  ንምብዳህ ኣብ መንፈሳዊ፣ ኣካላዊ፣ ስምዒታዊ፣ ኣእምሮኣዊ፣ ማሕበራዊ፣ቮኬሽናል (ልኡኽቶ) ፣ ስነ-ምግባራዊን ምምሕዳራዊ ሃብተገነትን ወዘተ ዘርፈ-ብዙሕ ግልጋሎታት ይህብ ፤


ራእይ

• ሰባት ዝተፈጠርሉ ዕላማ ብምርዳእ ፥ ዝተውሃቦም ዕቑር ዓቕሚ እንዳተጠቐሙ ምርኣይ


ልኡኽቶ

• ናይ ሰብ መንነት (ኣካል፣ ነፍሲ-ስነልቡና፣ መንፈስን  ባህርያትን) ብግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን ኣቢልካ ዝተጎድአ ምሕዋይ፤ ዘይተሃነፀ  (ዘይተመዓራረየ) ምህናፅ


ዕላማ:

• ብሃናፃይ ግልጋሎት ምኽሪን ስልጠናን  ኣቢልካ ኣብ  ህይወት ውልቀ ሰብን ማሕበረሰብን   ሕውየትን ኵለመዳያዊ ዕብየት  ምርግጋፅ


ክብሪታት:

● ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ሰብን

● ምብሃግ ሓባራዊ ፅባቐ፣ ምህናፅን ምጥንኻርን ማሕበረሰብ

● ሙሉእ (ኣካል፣ ነፍሲ፣ መንፈስ) ሰብ

● መገልገላይነት

● ተኣማኒነትን ሓቀኝነትን

● ጥበብን ሓይሊን ኣምላኽ ፀግዒ ምግባር