ስልቲ
• መንፈሳዊ፣ ስነልቡናዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሞራላዊ ወዘተ ፀገማት ሰባት ኢሉ’ውን ሳዕቤናቶምን መበገሲታቶምን ዝብድህ ሕቑፍ-ሰለስተኣዊ ስልቲ
- ሕውየት (ስነልቡናዊ-ማሕበራዊ-መንፈሳዊ)
- ግልጋሎት ምኽሪ (ስነልቡናዊ-ማሕበራዊ-መንፈሳዊ)
- ስልጠና (8 ኣንፈታት ዕብየት ሰብ)
• ጥሙርን ኵልኣዊን ሜላ ብምጥቓም ንኹሎም ኣንፈታት ዕብየት ምግልጋል
• ምጥቓም ተሳትፎ ኵሉ ፥ ዓለምለኸ በፃሕቲ/ሃወፅቲ/ ፣ ውስጠ-በቀል ሙያተኛታትን ወሃብቲ ነፃ ግልጋሎትን
• ህንፀት ዓቕሚ፥ ምስልጣን ግዱሳት ወሃብቲ ነፃ-ግልጋሎት
• ዓውዳዊ-ተኮር ስርዓት ተኸቲልኻ ምግልጋል
ትፅቢት ዝተገበረሎም ውፅኢታት
1. ህይወት ወሃብቲ ብዝኾኑ ቅድታት ሓቅታትን ተግባራትን ብምትእትታው ምሕዳስ ስነልቡና
2. ኣብ መግቦትን መሪሕነትን ፈጣሪ እምነት ዘሕድር ዝጠንከረን ዝሓየለን ገቢራዊ ዝምድና
3. ዕብየት ስምዒታዊ ጥዕና
4. ዕብየት ማሕበራዊ ክእለታት፣ ምድማፅ ካልኦትን ምርዳእ ማሕበረሰባዊ ዛዕባታትን
5. ዕብየት ኣረኣእያታትን ስነምግባራዊ መስተጋብራትን
6. ውሕሉል ምሕደራ ሃብተ ገነት፥ ኣተሓሕዛ ውልቃዊን ማሕበረሰባዊን ሃብትታት፣ ብሩህ ኣረኣእያ ከባቢ
7. ምርዳእን ምስትውዓልን ፃውዒት (ዕላማ)፥ንግልጋሎት ውልቀኻን ንማሕበረሰብን ምሃብ ኣፍልጦን ምጥቓም ፀጋታትኻን
8. ኣካላዊ ጥዕና፥ ኣብ ስራሕን ማሕበረሰብን ምሕያል ሙሉእ ተሳትፎ